Mefth Loader Gif

Mastering MySQL | From Zero to Database Hero

🚀 MySQL ካብ ባዶ ተማሃሩ! ናይ SQL queries ምጽሓፍ፣ ዳታቤዝ ዲዛይን ምግባርን ዳታ ከም ፕሮ ምምሕዳርን-ተመኩሮ ኣየድልን። 🚶‍♂️ጉዕዞ ዳታኹም ሎሚ ጀምሩ! 💡💻

0   (0 Ratings) 0 Students 13 hours of videos. Course in: Tigrinya Language For Beginners Level Last updated on: 1 June, 2025

Instructor Badge Biniam Abdenur

Course Features

Lectures : 82

Duration : 13 hours

Access: Lifetime

$69$59 Enroll

ካብዛ ስልጠና እንታይ ኢኹም ክትመሃሩ፧

📊መእተዊ ብዛዕባ ዳታን ዳታቤዝን 📋ምርዳእ ብዛዕባ ኣቃውማ ዳታ (Data Structure) 🛠️ምጽዓንን ምድህሳስን ማይ-ኤስኪውኤል ኣብ ኮምፕዩተርና (Installing & Setting Up MySQL in local) 🧱ሓበሬታ ኣብ ሰርቨር ምእታው፡ ምድምሳስ፡ ምትዕርራይን ምውጻእን (CRUD operations) 📝ሐበሬታ ምስራዕ፡ ምድላይ፡ ሰሪዕኻ ምውጻእ፡ ምጽማቁን ምጽንባርን ኣብ ሰርቨር (Filtering, Sorting & Joining Data) ➕✏️❌ 📤መኽዘን ሓበሬታ ንዕብየት ድሉውን ተዓጻጻፍን ምግባር (Build efficient, scalable databases) ኣብነታት ብፕሮጀክት

ነዛ ስልጠና ክትወስድዋ ከተማልእዎ ዘለኩም ረቛሒታት:

🙌ናይ ፕሮግራሚን ወይ ዳታቤዝ ተመክሮ ግዴታ ክህልወና ኣይኮነን 💻ኮምፑተር (Windows, macOS, or Linux) 🌐ኢንተርነት 🚀ድሌት ናይ ትምህርትን ነገራት ምድህሳስን! 🤓(ብምርጫ) ህንጥዩነት ዳታ ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ብከመይ ከምዝሰርሕ ንምፍላጥ ✍️ኩሎም መሳርያታት ዳውንሎድ ንገብሮምን ንስራሕ ድሎዋት ክኾኑ ነመዓራርዮምን ብነጻን ብምኻኖም -ንኣጠቓቕመኦም ዝምልከት ሓደ ብሓደ ክንመርሓኩም ኢና!

እዛ ስልጠና ንመን'ያ፧

🐣 ነቶም ጀመርቲን ብዛዕባ ናይ SQL ይኹን Database ጭራሽ ተመክሮ ዘይብልኩም 💻 ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይትን ናኣሽቱን ትካላት ከም ፉልስታክ ደቨሎፐርስ ኮይንኩም ክትሰርሑ ትደልዩ 📊 ነቶም ኣብ ዳታ ኣናልይቲክስ ማለት ጸብጻባት ሓበሬታ ክትነጥፉ ትደልዩ 🧑‍🎓 ነቶም ኣብ ኩሉ ጽላት ቴክኖሎጂ ክትነጥፉ ትደልዩ እዚ ናይ ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL) ስልጠና'ዚ ነዓኹም'ዩ፡ 🤓 ኣፍቀርቲ ቴክኖሎጂ ዳታ ብድሕሪ መጋረጃ ከመይ ከም ዝሰርሕ ክፈልጡ ዝደልዩ 🌱ዝኾነ ሰብ፡ ድልዱል መሰረት ኣብ MySQL SQLን ክሃንጽ ንዝደሊ

እዛ ስልጠና ኣጠቓሊላቶም ዘላ:

Lectures : 82 Language: Tigrinya Duration : 13 hours Students : 0 Certificate: Yes Payment: Once Access: on any device Access: Lifetime

ናይዛ ስልጠና ትሕዝቶታት

Section 1: 📘Introduction to the Course (1)
Section 9: 🏁 Milestone Achievement (1)

Course Description

ስልጠና ማይ-ኤስኪውኤል ( MYSQL) ንጀመርቲ

👋 እንቋዕ ደሓን መጻኹም ናብ ስልጠና ማይ-ኤስኪውኤል ንጀመርቲ🎉📚

1️⃣ብዛዕባ ኣብ ኦንላይን ዘሎ ናትና ሓበሬታ ኣበይ ይቕመጥ ሓሲብኩም ትፈልጡ'ዶ፧ ንኣብነት ኣብ ፈስቡክ ዘሎ ፖስትታት፡ ኣብ ዩትዩብ ዘሎ ኣዝዩ ብዙሕ ቪድዮታት ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ሶሻል ሚድያ ዘሎ ትሕዝቶታት ኣበይ ይቕመጥ ሓሲብናሉ ንፈልጥ'ዶ፧

2️⃣ሐራይ እዚ ኣበይ ይቕመጥ'ሲ ዘይንፈልጥ ክንከውን ንኽእል ኢና፡ ናይ ሞባይልና ስእልታትን ቪድዮታትን'ከ፡ ኦው 😊

ናይ ሞባይልና ስእልታትን ቪድዮታትን ኣብ ናይ ሞባይልና ሚሞርይ ከም ዝቕመጥ ንፈልጥ ኢና ሓቀይ 😊

ሐራይ ናይዞም ዝበልናዮም ዓበይቲ ሶሻል ሚድያ ሓበሬታ'ኸ፧

💡መልሱ፡ ንሱ'ውን ኣብ ናቶም ኮምፕዩተር'ዩ ዝቕመጥ፡ ንሕና ከኣ ብመገዲ ኢንተርነት ተጠቂምና ክንከታተሎ ክኢልና ኣለና ማለት'ዩ፡ ዋላ'ውን እዛ ተንብብዋ ዘለኹም ጽሕፍቲ ትኹን እዚ ኣብዛ ስልጠና ዘሎ ኩሉ ዓይነት ቪድዮታት'ውን እንተኾነ ኣብ ናይ Mefth Academy ኮምፕዩተር ማለት ሰርቨር'ዩ ተኸዚኑ ዘሎ፡

እዞም ኩሎም ዝበልናዮም ዓበይቲ ናይ ሶሻል ሚድያ ፕላትፎርምታት ንሓበሬታቶም ከቐምጥዎ እንከለው ናቱ ኣገባብ ኣቐማምጣ መንገዲ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ከምዚ ናይ ሞባይልና ኩሉ ቪድዮታትን ስእልታን ብሓንሳብ ኣብ ጋለሪ ትረኽቦ ክኸውን ስለ ዘይብሉ'ዩ፡ ናይዚ ምኽንያት ከኣ፡ ናይቲ ሓደ ዩትዩበር ቪድዮታት እቲ ሓደ ከይቆጻጸሮ ነናቶም ቪድቶታት ባዕሎም ከም ድላዮም ክቆጻጸርዎ እንተኾይኖም እቲ ቪድዮታቶም ብዝተፈልየ ኣገባብ ከተሓዝ ኣለዎ፡ ነዚ ሓበሬታ'ዚ ዋንነቱን ኣቀማምጡኡን ከነማሓድረሉ ዘኽለና'ምበኣር ሓደ ካብቶም ብዙሓት እዚ ኣብዛ ኮርስ ትመሃርዎ ማይ-ኤስኪውኤል' (MYSQL)

ብዘይኩኡ ኣብ ሶሻል ሚድያ ብኢመይልናን ፓስዎርድናን ተመዝጊብና ናትና ኣካውንት ሒዝና ክንነጥፍ እንከለና፡ እቲ ፓስዎርድ ክንጋገ እንከለና ተጋጊኹም ዝብለና ብዓቡኡ እዚ ብመንገዲ ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL)'ን ከሙኡ ዝኣመሰሉ ናይ ሓበሬታ መማሓደርቲ ፕሮግራሚን ላንጎጅስ'ዩ ዝካየድ፡

ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL) ኣብ ዕዳጋ ሓደ ካብቶም ዝበዝሕ ተጠቀምቲ ዘለዎ ኮይኑ ነዚ ኣብ ሰርቨር (ኮምፕዩተር ናይ ዓበይቲ ፕላትፎርምታት) ዝተቐመጠ ሓበሬታ መማሓደሪ ንጥቀመሉ ዓይነት ፕሮግራሚን ላንጎጅ'ዩ፡

እዛ ስልጠና'ዚኣ እምበኣር ንጀመርቲ ኮይና ኣብ ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL) ካብ ዘለዎም ውሑድ ኣፍልጦ ናብ ስፊሕን ብዙሕን ከም ዝምዕብል ብምግባር ኣብ ምሕደራ ሓበሬታ ኣብ ንኣሽቱ ይኹን ኣብ ዓበይት ፕላትፎርምታት ብዙሕ ኣፍልጦ ክድልቡ ትሕግዞም'ያ፡

እዛ ስልጠና'ዚኣ ንጀመርቲ ኮይና ብፍላይ ግን፡

  • ነቶም ኣማዕበልቲ ወብሳይት ወይ ኣፕሊኬሽን ዝኾንኩም
  • ንባክ-አንድ ደቨሎፐርስ ዝኾንኩም
  • ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይትን ናኣሽቱን ትካላት ከም ፉልስታክ ደቨሎፐርስ ኮይንኩም ክትሰርሑ ትደልዩ
  • ነቶም ኣብ ዳታ ኣናልይቲክስ ማለት ጸብጻባት ሓበሬታ ክትነጥፉ ትደልዩ
  • ነቶም ኣብ ናይ ምቁጽጻርን ምምሕዳርን ሓበሬታ ናይ ትካላት ስራሕ ክትነጥፉ ትደልዩ
  • ነቶም ኣብ ኩሉ ጽላት ቴክኖሎጂ ክትነጥፉ ትደልዩ እዚ ናይ ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL) ስልጠና'ዚ ነዓኹም'ዩ፡

ኣነ ጀማሪ/ት ኢየ፡ እዛ ስልጠና ክወስዳ ይኽእል'ዶ፧

  • እወ ክትወስዳ/ድያ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ፡
  • ከም ሓቂ'ውን እዛ ስልጠና ንከምዚ ከማኻ/ኺ ዝበለ ጀማሪ/ት ናይ ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL) ዝኾነ/ነት ሰብ'ያ ተዳልያ።

ስለዚ እወ፡ ጀመርቲ ዝኾነ ኣፍልጦ ናይ ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL) ዘይብሎምን ቁሩብ ጀሚሮም ኣብ ደሓን ዝኾነ ማእከላይ ደረጃ ዝጸንሑ ተማሃሮ ነዛ ስልጠና ክወስድዋ ይኽእሉ'ዮም፡

🎯 ዕላማኹም ክትመልኩ ሓደ ስጉምቲ ቀሪብኩም ኣለኹም።

🙏 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኮርስና ስለ ዝበጻሕኩም የቐንየልና — 🚀 ሰናይ ምጀማር!

Instructor

  Total students: 28

  Total Courses: 4

  Total Feedback: 9

  Total Rating: (4.1)

I am experienced Python developer with a passion for innovative and user-friendly applications. Skilled in Django, Flask, and various Python libraries. Proficient in InDesign and Autodesk Fusion 360 for design and 3D CAD. Constantly seeking opportunities to enhance knowledge and skills. Let's c... Learn more

Rating and Reviews

0
0 / 5
0 Rating
5 Stars 4 Stars 3 Stars 2 Stars 1 Stars
(0) (0) (0) (0) (0)

Rate For this course

Please Rate this course

Please provide your feedback for the course.


Total Reviews (0)

This course has no rating or feedback yet!

Recommended for you

Course Features

Lectures : 82

Duration : 13 hours

Access: Lifetime

$69$59 Enroll

Mastering MySQL | From Zero to Database Hero

0   (0 Ratings)
$69$59
Enroll

Mastering MySQL | From Zero to Database Hero

(0)
$69$59
Enroll
We value your opinion.
Help us serve you better by sharing your feedback.