Mefth Loader Gif

መባእታዊ ኮርስ ኣዶበ ፎቶሾፕ

ፕሮፈሽናል ኣቀናባሪ ስእሊ ክትኮኑ ምስ ትደልዩ እዛ ስልጠና'ዚኣ ነዓኹም'ያ።

5   (4 Ratings) 23 Students 5.5 hours of videos. Course in: Tigrinya Language For Beginners Level Last updated on: 8 February, 2025

Instructor Badge Petros Mebrahtu

Course Features

Lectures : 31

Duration : 5.5 hours

Access: Lifetime

$79$67 Enroll

ካብዛ ስልጠና እንታይ ኢኹም ክትመሃሩ፧

ፕሮፈሽናል ናይ ስእሊ ኣቀናበርቲ ክንኮኑ ምስ ትደልዩ በዚኣ ንጀመርቲ ዝበለጸት ዝኾነት ስልጠና ጀሚርኩም ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከትበጽሑ ተኽእለኩም' ብሓፈሻ ብዛዕባ ፎቶ-ሾፕ ኣብ ኣዶቢ ብሰፊሑ ከም መእተውን መጀመርን ክትፈልጡ ተኽእለኩም

ነዛ ስልጠና ክትወስድዋ ከተማልእዎ ዘለኩም ረቛሒታት:

ኮምፕዩተርን ኢንተርነትን ግዜን ተገዳስነትን

እዛ ስልጠና ንመን'ያ፧

ናይ ስእሊ ምቅንባር ክእለት ክህልዎም ንዝደልዩ ንኣዶቢ ፎቶሾፕ ብዕምቆት ክፈልጥዎ ንዝደልዩ

እዛ ስልጠና ኣጠቓሊላቶም ዘላ:

Lectures : 31 Language: Tigrinya Duration : 5.5 hours Students : 23 Certificate: Yes Payment: Once Access: on any device Access: Lifetime

ናይዛ ስልጠና ትሕዝቶታት

Section 1: ብዛዕባ ዎርክ ስፐይስ (1)
Section 2: ምንቅስቓስ ስእሊ (1)
Section 3: ምኽፋት ሓድሽ ዶኲመንት (1)
Section 4: መእተዊ ብዛዕባ ለየርስ (1)
Section 5: ስእሊ ብኸመይ ንቖርጽ (1)
Section 6: ምዕጻውን ግሩፕ ምፍጣርን (1)
Section 10: ጽሑፍ ብኽመይ ነዳሉ (1)
Section 11: ኢፈክት ከመይ'ዩ ዝሰርሕ (1)
Section 13: ብዛዕባ ሕብሪ (1)
Section 15: ማስክ ብኸመይ ንገብር (1)

Course Description

ስልጠና Adobe Photoshop ንጀመርቲ

ብቐሊሉ ኪኢላ ኣቃናባሪ ናይ ስእሊ ኩን/

ቅድም ግን ምሳይ ከላልየካ/

ኣነ ስመይ ጴጥሮስ መብራህቱ ይብሃል፡፡ ዝነጥፈሉ ሞያ Film maker ኢዩ፡፡ ጎኒ-ጎኒ እዚ ድማ editor ናይ ተንቃሳቓሲ ስእሊ ከምኡ'ዉን ደረቕ ስእልን ድማ'የ፡፡

እዛ ስልጠና ብዛዕባ ምቅንባር ስእሊ ኮይና እቲ ንኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ጽምንላትን ብፍሉይ ቅዲ ወቂቡ ዝርከብ ስእልታት ከተዳሉ ዝሕግዝ ዝበለጸ ናይ ኣዶበ ስእሊ መቀናበሪ ዝኾነ ኣዶበ ፎቶሾፕ ብግቡእ ክትመሃር ትሕግዝ ስልጠና ኢያ።

እዛ ስልጠና ንጀመርትን ንኣብ ስራሕ ምቅንባር ስእሊ ዝጸንሑን ናይ ኣዶበ ፎቶሾፕ ተማሃሮ ተባሂላ ኢያ ተሰሪሓ።

እዛ ኮርስ እንተወሲድካያ፡

ባዕልኻ/ኺ፡

  • ንኣዶበ ፎቶሾፕ ከፊትካ ብዝግባእ ዝተፈላለዩ ስእልታት ከተቀናብረሉ ትኽእል፡
  • ናይ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጽንብላት ኣሳእል ብዝግባእ ኣቀናቢርካ ከተዳሉ ትኽእል፡
  • ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣሳእል'ውን ባዕልኻ ከተዳሉ ትኽእል፡
  • ንዝተፈላለዩ ዝተበላሸው ወይ ብዝግባእ ዘይተቐናበሩ ኣሳእል'ውን ብዝበለጸ ክትጽግን ትኽእል፡
  • ንናይ ካሎኦት ሰባት ኣሳእል ብዝደለዩዎ ዲዛይን ሰሪሕኻ ከተዳሉ ኣይትሽገርን።

ኣብዛ ስልጠና ኩሉ ብዛዕባ Adobe Photoshop ተገሊጹ ኣሎ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ቀደም ተኸተል ብዝርዝር ኩሉ ተገሊጹ ስለ ዘሎ፡ ካብዛ ስልጠና እኹል ኣፍልጦ ናይ Adobe Photoshop ክህልወካ'ዩ።

እንታይ የድልየኒ እዚ ስልጠና ክወስዶ፧

ቀሊል፡ እዚ ኮርስ ክትመሃሮ ዘድልየካ/ኪ፡

  • ኮምፕዩተርን፡
  • ተገዳስነትን ጥራይ።

ጀመርቲ ዋላ ሓንቲ ናይ ምቅንባር ኣንፈት ዘይብሎም'ከ እዚ ስልጠና ክወስድዎ ይኽእሉ'ዶ፧

እወ ክወስድዎ ይኽእሉ ኢዮም፡ ኩሉ ዘድልዮም

  • ነዚ ኮርስ ተገዲሶም ብምክታትልን፡
  • ጽቡቕ ልምምድ ምግባርን ጥራይ'ዩ።

መዓስ መዓስ ኢዩ እዚ ትምህርቲ፧

ብልጫታት ናይዚ ስልጠና ደኣ እዚ እንድዩ፡

  • እዚ ቪድዮታት ድሉው/ስሩሕ ኢዩ፡ ኣብ ዝጠዓመካ ኢኻ ትከታተሎ፡
  • ገደብ ግዜ'ውን ስለ ዘይብሉ ኣብታ ዘቋረጽካያ ክፋል መጺኻ ኢኻ ትቕጽላ፡
  • ስለዚ መዓልትን ሰዓትን ባዕልኻ ኢኻ ትቆጻጸሮ፡
  • እዚ ስልጠና ብቋንቛ ትግርኛ ዝተዳለወ ኢዩ፡
  • ብዙሕ መለማመድን ንጹር ቪድዮታትን ዝሓቖፈ'ዩ፡
  • ወትሩ ዝሕደስ ምዃኑ።

ከመይ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነዚ ስልጠና ዝወስዶ፧

ነዚ ስልጠና ክወስዶ ዝኽእል ሰብ ዝኾነ ሰብ ኮይኑ ብፋላይ ግን፡

  • ከም ካሜራ ማን ኮይኑ ክሰርሕ ንዝደሊ፡
  • ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፍ ሰብ፡
  • ናቱ ዝኾነ ዓይነት ኣሳእል ንሱ ብዝደለዮ ዲዛይን ገይሩ ሰሪሑ ከዳሉ ንዝደሊ፡
  • ሓፈሻዊ ልዑል ክእለት ናይ ምቅንባር ኣሳእል ባህግን ድልየትን ዘለዎ ሰብ።

ጥቕምታት ፎቶሾፕ ንኣብ ስራሕ ሰኣላይ ዘለው እንታይ'ዩ፧

ኣዝዩ ብዙሕ ጥቕምታት ኢዩ ዘለዎ ንሰኣልቲ ንሱ ከኣ፡

  • ኣሳእሎም ካብ ንኻሎኦት ብዙሕ ከፊሎም እዚኣ እባ ኣቀናብሩልና ምባል ይድሕኑ፡
  • ምስ ካሎኦት ኣቀናበርቲ ቪድዮ ኮይኖም ሓቢሮም ክሰርሑ ይእኽሉ፡
  • ናይ ውልቆም ስእሊ መቀናበሪ ማእከል ክውንኑ ይሕግዞም፡
  • ኣብ ምቅንባር ስእሊ ኮታ ኩሉ ነገር ምኽንያቱ ካብ ምሳኣል ምቅንባር ስለ ዝኸብድ እቲ ዝኸበደ ክፋሉ በዛ ኮርስ ክሽፍንዎ ይሕግዞም።

ካብ ሰኣላይ ወጻኢ ዘሎ ሰብ'ከ እንታይ ክጥቀመሉ ይኽእል፧

ኣዶቢ ፎቶሾፕ ማለት ንዝደለኻዮ ስእሊ ብዝደለኻዮ መንገዲ ገይርካ ምቅንባር ማለት'ዩ፡

ስለዚ ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣብ ናይ ውልቁ ህይወት ክጥቀመሉ ይኽእል'ዩ ንኣብነት

  • ኣብ ናቱ/ናታ ይኹን ናይ መቕርቡ/ባ ዝተፈላለዩ ባነራት ክኾኑ ይኽእሉ ስእሊ ናይ መርዓ ይኹን ካልእ ኣጋጣሚታት፡ ፖስተር ፡ ዋላ'ዉን ሓደ ዌብ ሳይት ዲዛይን፡ ሎጎ ……… ወዘተ ብዝደለዮ ቅዲ ሰሪሑ ከዳልዎ ይኽእል፡
  • ካብ ግበሩለይን ብዙሕ ወጻኢታትን ይድሕን፡
  • ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፍ እንተደኣ ኮይኑ እዚ ኮርስ'ዚ ንዑኡ ተባሂሉ ዝትሰርሐ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ፍሉያት ብልጫታት ኣዶበ ኣርትዖት ግን እንታይ'ዮም፧

  • እዚ ሶፍትዌር'ዚ ብዝደለኻዮ ቅዲ ዲዛይን ሰሪሕኻ ብሉጽ ስእሊ ከተዳሉ ይሕግዝ፡
  • ኣዝዩ ንጹርን ብቕዓቱ ዘይጎድልን ስእሊ ክህልወካ ይገብር፡
  • ስእልኻ ብዝደለኻዮ ፎርማት ክትውንኖ ይሕግዝ፡
  • ኣዝዩ ዘተዓጻጽፍን ኣዝዩ'ውን ብዙሕ ክትሰርሓሉ ዘኽእልን ናይ ፎቶሾፕ ብልጫታት ኣለዎ፡
  • ዘይከም ካሎኦት መቀናብሪ ሶፍትዌራት እዚ ሶፍትዌር'ዚ ንፈሊኻ ኣውጺእኻ ኣብ ካልእ ባክግራውን ከተእትዎ ዝደለኻዮ ስእሊ ፈልዩ ናይ ምውጻእ ዓቕሚ ኣለዎ፡ ዋላ'ውን ቀጠልያ ስክሪን ኣይሃልዎ።

ኣዶቢ ፎቶሾብ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጀሚርካ ክሳብ ዓበይቲ ጽንብላትን በዓላትን፡ ከም ቀንዲ መሳርሒ ኮይኑ'ዩ ዘገልግል ዘሎ።

ስእሊ እንተኢልካ ኣብ ርእስኻ ዝመጸካ ኣፕሊኬሽን ኢንታግራም'ዩ ሓቀይ፧ ዳርጋ ኩሉ እቲ ኣሳእል ኣብኡ ትርኽቦ በል ብኣዶበ ፎቶሾብ ኢዩ ተሰሪሑ።

ስለዚ ክኢላ ኣቀናባሪ ስእሊ ክትከውን ነዛ ስልጠና እዚኣ ወሲድካ ሎሚ ተማሃር ................ 🎉

Instructor

  Total students: 87

  Total Courses: 2

  Total Feedback: 13

  Total Rating: (4.9)

I am a video editor with over 6 years of experience working with Adobe products, specifically Adobe Premiere Pro. I am proficient in all aspects of video editing, from basic cuts and transitions to more complex effects and compositing. I have a strong work ethic, am creative and detail-oriented, and... Learn more

Rating and Reviews

5
5 / 5
4 Rating
5 Stars 4 Stars 3 Stars 2 Stars 1 Stars
(4) (0) (0) (0) (0)

Rate For this course

Please Rate this course

Please provide your feedback for the course.


Total Reviews (4)

Recommended for you

Course Features

Lectures : 31

Duration : 5.5 hours

Access: Lifetime

$79$67 Enroll

መባእታዊ ኮርስ ኣዶበ ፎቶሾፕ

5   (4 Ratings) 23 Students
$79$67
Enroll

መባእታዊ ኮርስ ኣዶበ ፎቶሾፕ

(5)
$79$67
Enroll