ኣብ Mefth ብኸመይ ክትምዝገብ ይከኣል፧
ኣብ Mefth ክትምዝገቡ ምስ ትደልዩ፡ ከምዚ ዝስዕብ ተኸቲልኩም ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም፡
ዕላማ ናይ ምምዝጋብኩም ብዙሕ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ንኣብነት
- ስልጠና ንምውሳድ
- ኮመንት ማለት ርእይቶ ምጽሓፍ
- ረሲድ ንምግዛእ
ኣገባብ ምምዝጋብ እምበር ከምዚ ይመስል
ብመጀምርያ ኣብ ላዕሊ ዘላ Login ኣብ ኮምፕዩተር ንጥቀም እንተሃሊና ከኣ ኣብታ Sign up ትብል ንጠውቕ፡
ብድሕሪኡ ኣብታ Sign up ትብል ንጠውቕ
ብድሕሪኡ እታ Sign up with Google ትብል ትረኣየና እንተሃልያ፡ ጽቡቕ፡ ኣብኣ ንጠውቕ
ንሳ እንተዘይሃልያ ግን ከምዛ ኣብዚ ታሕቲ ዘላ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ ስምና ኣብታ ካለአይቲ ከኣ ኢመይልና (ጅመይልና) ኣብታ ሳልሰይቲ ከኣ ሓድሽ ኣብ Mefth ጥራይ ንጥቀመሉ ፓስዎርድ ነእቱ፡
በታ ቀዳመይቲ ናይ ጉግል እንተመሪጽና ከምዚ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ምልክት ገይርና ክንኣቱ ንኽእል ኢና፡
በታ ካለአይቲ ናይ ስምን፡ ኢመይልን፡ ፓስዎርድን ምምላእ እንተመሪጽና ከኣ ከምዚ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መልእኽቲ ናብ ኢመይልና (ጅመይልና) መልእኽቲ ክመጸና'ዩ፡ ኣብታ ኣባኣ ዘላ መልጎም (ባተን) ንጠውቕ።
ብድሕሪኡ ወዲእና ኣለና ማለት'ዩ።
ሕጂ ዝተርፈና Login ምግባር ጥራይ ኢዩ ንሱ ከኣ ኣብ ላዕሊ Login እንተጠዊቕና እታ ሂብናያ ዝነበርና ኢመልን ፓስዎርድን ሂብና ክንኣቱ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ Login ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ሊንክ ጠዊቕና ንከታተል።
ተስፋ ንገብር እዚ ሓጊዝኩም ክኸውን።
You may like these posts
Report for Comment or Reply